ክፍሊ ሓለዋ ስደተኛታት፡ ናይ ቤት-ፍርዲ መጸዋዕታ፡ ዝርዝር ሀ፡

ኮቪድ-19፡ ቅድሚ ኣብ ቤት-ፍርዲ ምምጻእካ ክትፈልጦ ዘሎካ/ኪ ነገራት።

ናይ ካናዳ ኢሚግረሽንን ስደተኛን ሓለፍቲ (IRB) ንስደተኛታት ኣብ ባይቶ ምስማዕ ኪጅምሩ ስለዝኾነ፡ ምእንቲ እቶም ተካፈልትን ሰራሕተኛታትን ኣጋይሽን ጥዕናን ድሕነትን ንምዕቃብ ኣድላዪ ስጉምትታት ይውሰድ ኣሎ፡፡

ክትፈልጦም ዘሎካ/ኪ ገደባት፡

ዑቅባ-ሓተትቲ ፡ ትሕቲ 18 ዓመት ዘለዎም ሓተትቲ-ዑቅባ ኣብ ባይቶ ክፍሊ ሓለዋ ስደተኛታት (ክ ሓ ስ) ኪቀርቡ ኣየድልን ኢዩ፡ ባዕሉ ክፍሊ ሓለዋ ስደተኛታት አንተዘይገዲዱዎም፡ ወይ ባዕላቶም ወይ ብወከልቶምን ክሳተፉ አንተዘይደልዮም። ክፍሊ ሓለዋ ስደተኛታት መደብ ክተውጽእ ከላ እቲ ናይ ምርሕሓቅ ሕጊ ከምዝክበር ትገብር። ስለዚ ብዝሒ ተሳተፍቲ ምጡን ይኸውን። በዚ ምክንያት፡ ክፍሊ ሓለዋ ስደተኛታት 10 መዓልቲ ቅድሚ ዕለት ቈጸራ፡ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ከምተምጽእ/ኢ ብጽሑፍ (ኣድራሻ ኣብቲ ናይ ቀጸራ ደብዳቤ ኣሎ) ክተፍልጦም ኣሎካ/ኪ። ።

ተዓዘብቲ ፡ እዚ ዝተኣወጀ ናይ ጥዕናን ድሕነትን ሕግታት ኣብ ግብሪ ክሳብ ዘሎ፡ ኢሚግረይሽንን ስደተኛን ሓለፍቲ ብዝተካእለ መጠን ተዓዘብቲ ንከይመጹ ኢያ ትምዕድ፡፡ እንተደኣ (ንክተባብዓካ/ኪ) ተዓዛባይ ክተምጽእ/ኢ አንተኾንካ/ኪ ቅድሚ ዓሰርተ መዓልቲ ንክፍሊ ሓለዋ ስደተኛታት ክተፍልጦም/ጢዮም የድሊ።

መሰኻክር ፡ ኣብ ጉዳይካ ዝስምዓሉ መዓልቲ፡ መሰኻኽር ክትጽውዕ/ዒ ይከኣል ኢዩ። ግን ከምቲ ሕግታት ናይ እቲ ክፍሊ ዝእዝዞ፡ ንክፍሊ ሓለዋ ስደተኛታት፡ዓሰርተ መዓልቲ ኣቀዲምካ ብጽሑፍ፡ እቶም መሰኻኽር ክንደይ ምኻኖምን ኣስማቶምን፡ ምኽንያት ኣድላይነት ምስክራት፡ ንክምስክሩ ክንደይ ግዜ ከምዘድሊ፡ ምስቲ ምስክር ርክብካ/ኪ እንታይ ምኻኑ፡ ከምኡ ከኣ ኣስተርጓሚ ንመሰኻኽር የድሊ እንተኮይኑ ኪግለጽ ኣለዎ። ከምኡ’ውን እቲ ምስክር (ወይ ምስክራት) ብስልኪ ድዩ ወይስ ኣብ ቤት-ፍርዲ ብኣካል ብምምጻእ ከምዝሳተፍ፡ ዓሰርተ መዓልቲ ኣቀዲምካ ኪፍለጥ ኣለዎ። እዚ ናይ ጥዕናን ድሕነትን ሕግታት ኣብ ቦትኡ ክሳብ ዘሎ፡ እቲ ምስክር እንተተኻኢሉ፡ብስልኪ እንተተሳተፈ ይምረጽ።

መጸዋዕታ ምስመጸካ/ኪ ነቲ ናይ ድሕነት መምርሒ ናይ ኢሚግረሽንን ስደተኛታትን ሓለፍቲ (IRB)ክትውከስ/ሲ ኣሎካ/ኪ። ርአሰ-ግምገማ ቅጽ ከኣ ኪምላእ ኣለዎ